2009-10-21 18:32:18

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ማእከል ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ቫቲካን ተዓዚቦም>


 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ነቲ አብ ካስተልጋንዶልፎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ አዳራሽ ዝርከብ ማእከል መጽናዕቲ ሳይንስ ቫቲካን ከም ዝበጽሑ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ አሎ።

እዚ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ዚካየደሉ ማእከል” ካብ ቫቲካን ናብ ካስተልጋንደልፎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ አዳራሽ ከም ዝግዓዘ ዝዝከር ኢዩ።

ማእከል ሳይንሳዊ ምርምር ቫቲካን ፡ ካብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን ብዘመነ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግርጎርዮ መበል ሰውዓተ ዝተጀመረ ጥንታዊ ሳይንሳዊ ማእከል ምርምርን መጽናዕትን ከም ዝኾነ ይዝከር ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጎርጎርዮስመበል ሸውዓተ ብዓሰርተ ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን አብ ሮማዊ ኮለጅ ንዝነበሩ ጠበብቲ ቁጽርን ሥነ ኮኸብን ኢየሱሳውያንን ጸዊዖም መራሕ ዕለት ብዝምልከት መጽናዕቲ ከካይዱ ከም ዝዓደምዎምን ድሕሪ ነዊሕ መጽናዕቲ እዚ ሕጂ ብኤውሮጳውያን አቆጻጽራ እንብሎ አቆጻጽራ ዘመን ብ1582 ከም ዝጸደቀ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ናይ ቫቲካን ማእከል መጽናዕቲ ምርምር ዳይረክተር ኢየሱሳዊ አብ ኾሰ ጋብሪኤል ፉነስ ፡ ከም ዘመልከትዎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ካብ ቫቲካን ንካስተልጋንደልፎ ዝግዓዘ ጥንታዊ ማእከል መጽናዕቲ ሳይንስ ቫቲካን ተዓዚቦም ምብራኾም አባላት ማእከል መጽናዕትን ምርምርን ዝልዓለ ሐጎስ ተሰሚዑና።

ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ሳይንስ ቫቲካን ኢየሱሳዊ አባ ኾሰ ጋብሪኤል ፉነስ ብዛዕባ”ዚ ጥንታዊ ማእከልመጽናዕቲ ከገልጹ ከለዉ ፡ እዚ ማእከል መጽናዕቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤ/ን”ዚ

ምስቶም አብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ካብኡ ሐሊፉ አብ እግዚአብሔር ምስ ዘይአምኑ ሊቃውንቲ ሳይንስ ይዝቲ የጽንዕ ይመራመር ኢሎም።

ዝመጽዕ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ጋሊለዮ ጋሊለይ ክሳዕ ሕጂ ዘለዉ መሳርሕታት ሥነ ኮኸብ አብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ንትዕይንተ ህዝቢ ከም ዝቀርቡ ናይ ቫቲካን ሳይንሳዊ ማእከል ዳይረክተር አባ ኾሰ ጋብሪኤል ፉነስ ሐበሬታ ሂቦም አለዉ ።










All the contents on this site are copyrighted ©.